ኮፕ32 እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶም ዝረብሑ ልምዲታት ኣሎዉ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮፕ32 እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ዝረብሕ ልምዲታት ኣሎዉ  ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናችዮ ሉላ ደ ሲልቫ ፅቡቕ ዘተ ምክያዶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ኣብ ኢኮኖሚን ዘላቒ መሰረተ ልምዓትን ብምጥማት ከልቲኣዊ ርክብ እነጠናኽረሉ ዕድላት ብዝምልከት ዝተኻየደ ነይሩ ኡሎም።

ብራዚል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ኮፕ30 ዘዳለወት ሃገር ስለዝኾነት ኮፕ32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ዝረብሕ ልምዲ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment