ወለዶ ብስነምግባር ብምህናፅ ካብ ግዕዝይና ነፃ ዜጋ ክንፈጥር ይግባእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ወለዶ ብስነምግባር ብምህናፅ ካብ ግዕዝይና ዝፀረየ ዜጋ ክንፈጥር ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
መበል 22 ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ብዝተፈላለዩ መረሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፥ እንርእዮ ሃገራዊ ዕብየትን ለውጥን ዝተመዝገበ ብመድማር መንግስቲን መንግስታዊ ግዕዝይና ኣምሪሩ ብምፅያፍ እዩ፡፡
ብሄራዊ ፀረ ግዕዝይና ኮሚቴ ብምጥያሽ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግንዛበ ብምፍጣር ከምኡ እውን ዘላቒ መፍትሒ ምሃብ ዘኽእሉ ምንቅስቃሳት ምክያዶም ተዛሪቦም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መንግስቲ ግዕዝይና ንምክልኻል ዝኽእሎ ብሰለስተ መንገዲ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ኣረዲኦም።
ፈለማ ባዕሉ መንግስቲ ካብ መንግስታዊ ግእዝይና ነፃ ብምግባር እንትኾን፤እዙይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ተወዲቡ ሃገርን ህዝብን ዝጉሕል ልምዲ ደው ዘበለ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ካልኣይ ድማ ምጅማር ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ብምሕባር፣ እዚ ድማ ኣብ ግልጋሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ብሓዱሽ ኣሰራርሓ መገዲታት ክዝርግሑን ግልፂን ተሓታቲነትን ብምስፋን ግዕዝይና ምክልኻል ምክኣሉ ኣረዲኦም፡፡
ብተወሳኺ እውን ግዕዝይና ብሰለስተ “ም”ከምዝጠቃልል ኣረዲኦም፡፡
እቲ 1ይ “ም” ምህናፅ ማለት ወለዶ ስነ ምግባር ምህናፅ ማለት እዩ፤ እቲ 2ይ “ም” ምክልኻል እዩ፣ እዚ ድማ ትካላዊ ስርዓት ዘመናዊ ምግባር እዩ፤ እቲ 3ይ “ም” ድማ ምኽባር እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ሕጊ ቆራፅ ክኾን ኣለዎ ዝብሉ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡፡
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment