ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ነጥቢ ተኻፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 30 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ፀወታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ነጥቢ ተኻፊለን።

ኣብ ስታድዩም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንግሆ ሰዓት 3፡30 ኣብ ዝተኻየደ ፀዋታ ክልቲአን ጋንታታት ብዘይምንም ሽቶ ብማዕረ 0ን 0 ተፈላልየን።

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትኻየድ ሰዓት 9 ኢትዮጵያ ቡና ምስ ኣዳማ ከተማ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 12 ፋሲል ከነማ ምስ ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ ዝኻየድ ፀዋታ ትፅቢት ይግበር።

 

Comments (0)
Add Comment