ወርሒ ረመዳን ብምትሕግጋዝን ብምትሕስሳብን ክነሕልፎ ይግባእ – ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ወርሒ ረመዳን ብምትሕግጋዝን ብምትሕስሳብን ክነሕልፎ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ።

ወርሒ ረመዳን ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ንመላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም እንኳዕ ንመበል 1447 ወርሒ ረመዳን ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

ረመዳ ካብ ሓሙሽቲኦም መኣዝናት እስልምና ሓደ ብምዃኑ ኩሉ ህዝበ ሙስሊም ንኽፀውም ብኣላህ ዝተኣዘዘ ወርሒ ኢዩ ኢሎም።

ረመዳን ናይ ሓድነትን ምትሕስሳብን ወርሒ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ናይ ይቕሬታ፣ እዝነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን እዋን ብምዃኑ ኩሎም ተኸተልቲ እቲ እምነት ምስ ሰናይ ስራሕቲ ንኽራኸቡ ኣገንዚቦም።

ንዓቕመ ደካማታት ምርዳእ፣ መዓድን ብምክፋል፣ ብምትሕስሳብን ንኣላህ ብምልማን እቲ ወርሒ ምሕላፍ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ረመዳን ናይ ሰላም ወርሒ ብምዃኑ ኩሉ ካብ ጎንፂን ፅልኢን ብምርሓቕ ንኸሕልፍ ብምግላፅ÷ መንፈሳዊ ልዕልና ዝህሉ ሰላም እንትህሉ ስለዝኾነ ንሃገርና ሰላምን ንህዝብና ድሕንነትን ዱዓ ክንገብር ይግባእ ኢሎም።

ፆም ረመዳን ወርሒ ብኣቆፃፅራ ሒጅራ ሻዕባን 29 ፅባሕ ሰሉስ እንተተራኢያ ረቡዕ፤ እንተተዘይተራኢያ ድማ ሓሙስ 12 ለካቲት 2018 ዓ.ም ክኣቱ ኢዩ፡፡

ብሰኣዳ ጌታቸው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment