ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ወንጌል ኣመንቲ ንሃገራዊ ሰላምን ዕብየት ክተሓባበሩ ይግባእ ኢሉ፡፡
ካውንስል ወንጌል ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ 5ይ ስሩዕ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት እቲ ካውንስል ጣሰው ገብሬ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ እቲ ካውንስል ኣብ ስራሕ ህንፀት ሰላም ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ፡፡
ካብ ቤተ ክርስቲያን ትፅቢት ዝግበረሉ ስራሕ ኣብ ማሕበራውን ልምዓታውን ስራሕቲ ንምፍፃም ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ወንጌል ኣመንቲ ንሃገራዊ ሰላምን ዕብየት ክተሓባበሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፤ ወለዶ ሰላማዊን ኣወንታዊ ፅዕንቶ ክህልዎን ኣባላት እጃሞም ከበርክቱ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!