ወፃኢ ንግዲ እንስሳት ንምዕባይ ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ወፃኢ ንግዲ እንስሳት ንምዕባይ እተካይዶ ዘላ ተግባር ውፅኢት እንምፀአ ምዃኑ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓዊሱ ብመንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምትታት እቲ ዓውዲ ዘለዎ ተረባሕነት እናዕበየ መፂኡ፡፡

ቅድሚ ሕዚ እንስሳታት ኢትዮጵያ ብስም ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ዝቐርበሉ ኩነታት ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍርያት ኢትዮጵያ ንወፃኢ ዕዳጋ ብስፍሓት ንምፍራይ ዝተኻኣለሉ ዕድል ምፍጣሩ ገሊፆም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ እንስሳት 128 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም፡፡

ሃፍቲ እንስሳት ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ዝርኸበሉ ብምዃኑ ጠመተ ተዋሂብዎ እናተሰረሐ ከምዝርከብ ዝገለፁ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ማእኸላት ኳራንቲን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ኣብ ድሬዳዋ፣ ጂግጂጋን ቦረና ይስርሑ ኣለው ኢሎም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment