ውህደት ኢኮኖሚያዊ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፀ ምዕባይ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውህደት ኢኮኖሚያዊ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፀ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም፡፡

6ይ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ምርኢትን ኮንፈረስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ መኽፈቲ እቲ ምርኢት ንግዲ ከምዝበልዎ÷ ኣፍሪካ ኣብ 2063 ንምዕዋት ካብ ዝሓዘቶም ኣጀንዳታት እቲ ሓደ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ተረባሕነት ኢኮኖሚን ንምርግጋፅ እዩ።

ዝተዋደደን ዝተናበበን ስራሕ ንኣፍሪካ ዘላቒ ዕብየት ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ መስራቲት ኣባል ኮሜሳ ዝኾነት ኢትዮጵያ ናፃ ንግዲ ስምምዕነት ኣፍሪካ ዕውት ንምግባር ልዑል ፃዕሪ ክትገብር እያ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንውልቀ ዘፈር ምችው ኩነታት ዝፈጠረን ተናሓናሕነት ዘዕበየን ምዃኑ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ውህደት ኢኮኖሚያዊ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለፀ ክዓቢ ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ኮሜሳ ንደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ፍሉይ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቲቶም፡፡

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብግዲኦም ኣባል ሃገራት ኮሜሳ ደቂ ኣንስትዮ ብምንቅስቓስ ንግዲ ልዑል ተራ ከምዘለወን ገሊፆም።

ዝገጠመን ፈተናታት ብምፅዋር ኣብ ስራሕ ንግዲ ውፅኢታዊ ዝኾና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሮም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment