ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ውሕጅ ብግቡእ ብምምሕዳር ድሕንነት ዜጋታት ብምሕላው ንልምዓት ምውዓል ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ ተፋሰስ ጊቤ ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ ጠመተ ዝገበረ ንውሕጅ ተጋላፅቲ ዝኾኑ ኩነታት ንምክልኻል ስራሕ ብዝምልከት ዝተዳለው መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘተ እናተካየደ ይርከብ፡፡
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ኣዋሽ፣ ተፋሰስ ጊቤ ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ሓደጋታት ውሕጅ ውድሚ ዓመታት እናወሰኸ ምምፅኡ ሓቢሮም፡፡
ዓመታዊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ብሓደጋ ውሕጅ ከምዝተሃስዩ ሓቢሮም፡፡
ብጌታቸው ሙለታ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!