ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብተን ተገይሩ እዩ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብተን ተገይሩ እዩ ኢሎም ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)።

ህዝቢ ትግራይ ሱር ዝሰደደ ስምዒት ኢትዮጵያዊነት ዘለዎ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ኣቦ ወንበር እቲ ህዝቢ ንሃገሩን ንሓድነቱን ዘይደራደር ምዃኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ክትፈርስ ዝደልዩ ከም ግብፂ ዝኣመሰሉ ነባራት ፀላእቲ ከምኡ እውን መሻርኽቲ ግብፂ ዝኾነ ሓይሊ ሻዕቢያ፣ ምስ ኣመራርሓታት ህወሓት ብሓባር ብምዃን ናይ ጥፍኣት ጉጅለ መስሪቶም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ዕላማ ጥፍኣት ዝሓዘ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፣ ምስ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ታሪኻዊ ፀላእቲን ካብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዉ ተላኣኽቲን ብምትሕብባር ዝተሃንፀ ውዲት ምዃኑ ብምግላፅ፣ ኣመራርሓ ህወሓት ወከልቲ እዞም ሓይልታት ብምዃን እቲ ጉጅለ ንኽቐውም ከምዘወሃሃዱ ኣረዲኦም።

ኣብ መቐለ ኣዋጅ ብምእዋጅ ንምንቅስቓስ መደብ ከምዝነበሮም እውን ኣብሪሆም። እንተኾነ እዚ ሓደገኛ መደብ ብቕልጡፍ ተቓሊዑ፣ እቲ ውዲት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ፋሕ ኢሉ ክተርፍ ከምዝተገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment