ውድድር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውድድር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 2024/25 ሎሚ ብዝተካየዱ መርሃ ግብሪታት ፍፃመ ረኺቡ፡፡

ሎሚ ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ማንቼስ ሲቲ፣ቼልሲ፣ ኣርሰናልን ማንቸተስተር ዩናይትድን እንትዕወት ሰዓርቲ እቲ ፕሪምየር ሊግ ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስ ማዕረ ተፈላልያ።

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ሻምፕዮን ሊቨርፑል ብ84 ነጥቢ እንትትዛዝም፤ ኣርሰናል ብ74 ነጥቢ ካልኣይቲ፣ ማንቼስተር ሲቲ ብ71 ነጥቢ ሳልሰይቲ ከምኡ እውን ቼልሲ ብ69 ነጥቢ ራብዓይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን።

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ 18 ግዜ ስዕረት ዘተኣናገደት ማንቼስተር ዩናይትድ ብ42 ነጥቢ ብምእካብ ኣብ 15 ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።

Comments (0)
Add Comment