ውፅኢታዊነት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንምቕፃል ባንኪ ዓለም ዝገብሮ ደገፍ ክጠናኸር ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እትትግብሮ ዘላ  መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብዝተማልአ መገዲ ውፅኢታዊ ንክኸውን  ባንኪ ዓለም ዝገብሮ ደገፍ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ምስ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን(ኣይ ኤም ኤፍ) ኣብ ዝገብር ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ንዲያሚ ዲዮፕ ዘቲዩ።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ከይዲ ህንፀት ግዙፍ ፕሮጀክትታትን ምጥንኻር ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናትን  ዝጠመቱ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ኣይተ ኣሕመድ፥ እቲ ባንኪ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ፋይናንስን ቴክኒክን ብምንኣድ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ንዲያሚ ዲዮፕ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንምግባር ዘርኣዮ ኣመራርሓ ንኢዶም።

ትካሎም ኢንሼቲቫት ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment