ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ውፅኢት መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ፅባሕ ዕላዊ ክኸውን ኢዩ።
ሚኒስቴር ትምህርቲ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዘፍለጦ፤ እቲ ውፅኢት ፈተና ኣመልኪቱ ፅባሕ ካብ ሰዓት 10 ጀሚሩ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ክወሃብ ኢዩ።
መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ከምዝተውሃበ ይዝከር።
ብተፈጥሮ ሳይንስን ማሕበራዊ ሳይንስን ብሓፈሻ 608 ሺሕን 742 ተምሃሮ ፈተና ዝወሰዱ እንትኾኑ፤ 134 ሺሕን 828 ተምሃሮ ብመርበብ ሓበሬታ መፈተናኦም ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!