ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ውፅኢት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘካየዶ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ዕላዊ ኮይኑ፡፡
ከይዲ እቲ ጨረታ 26 ባንክታት ዝተሳተፉ እንትኸውን፥ በዙይ እውን ሸርፊ ወፃኢ ንሓደ ዶላር ኣሜሪካ ማእኸላይ 131 ነጥቢ 4961 ብር ኮይኑ ምምዝጋቡ ተገሊፁ።
ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ኩነታት ብቐረባ ክከታተልን ከም ኣድላይነቱ ተወሳኺ መሸጣ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘካይድ ኣብቲ ባንኪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቀፃሊ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ።