ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሸን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዑደት ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዓለም በዓልቲ ብዙሕ ዋልታ ምዃና ዘለዋ ቀንዲ ግደ ዘረጋገፀ እዩ ኢሉ ግልጋሎት ኮሙኒኬሸን መንግስቲ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዑደቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘሎ ዑደት ኣመልኪቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ፤
ኣብ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንዲን ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ!
እዚ ዑደት እዚ ኣብ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረ ምዉቕ ኣቀባብላ ሓሊፉ ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ “ዓቕሚ ተደማፅነት”ን ህንዲ ንቀርኒ ኣፍሪካ እትህቦ ዘላ “ስትራተጂካዊ ክብደትን” ዘርኢ’ዩ።
ኣብ ሚኒስቴሪ ጉዳያት ወፃኢ ማእኸል ዳታ (Data Centre) ንምፍራይ ኣብ ዝተገበረ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ዓብዩ ትርጉም ኣለዎ።
ህንዲ ኣብ ዓውዲ ዲጂታላዊ ዘለዋ ዓለም ለኸ ልዕልነት ናብ ትካላዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ክመፅእ፣ በዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ የሰጋግር።
ኣብ ጉምሩክ ሓበራዊ ምምሕዳር ሓገዝ ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንግዲ ልውውጥ ንምቅልጣፍ ዝዓለመ እዩ።
ህንዲ 1.46 ቢልዮን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ ከምኡ እውን ገዚፍ ዕዳጋ ዘለዋ ምዃና፤ እዚ ስምምዕ እዚ ፍርያት ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ናብ ዕዳጋ ህንዲ ክኣቱን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘይሕጋዊ ንግዲ ክቆፃፀርን ዝሕግዝ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ “ዕዳጋ ሓሳባት” ናብ “ዕዳጋ ንግዲ ተግባራዊ” ዘወቕይር ዓወት እዩ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment