ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዛዕባ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምልክት ህብረ ብሄር ብሄራዊነት ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቕዑ ትኹረት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ስሒቡ፡፡

እቲ ኩነታት ካብ ዝፀብፀባ መራኸብቲ ሓፋሻት ቢቢሲ፣ ሮይተርስ፣ አሶሺየትድ ፕሬስ፣ አልጀዚራ፣ ፍራንስ-24፣ ዴይሊ ኔሽንን ተፀራሕቲ እዮም፡፡

ቢቢሲ “ኩርዓት ኢትዮጵያውያን” ክብል ዝገለፆ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዕሊ ምምራቑ ፀብፂቡ፡፡

“ኢትዮጵያ ንሚልዮናት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተረባሕቲ ንምግባር ዝግበር ገዚፍ ግድብ ሃኒፃ ዛዚማ ኣላ” ክብል ፍራንስ-24 ፀብፂቡ።

“ኢትዮጵያ ንሚልዮናት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምብፃሕ ዝኽእል ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኣመሪቓ “ ዝበለ ድማ ሮይተርስ እዩ፡፡

አሶሺየትድ ፕሬስ “ኢትዮጵያውያን ተስፋ ዝገበሩሉ ናይ ኣሪካ ዓብዩ ግድብ ተሃኒፁ ተዛዚሙ” ክብል ፀብፂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣልጀዚራ፣ ሲኤንቢሲ ኣፍሪካን ኤጀንሲ ኣናዶሉ ቱርኪን ብዛዕባ ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፀብፂቦም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment