ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ኩነታት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8 ) ‘ድምፂ ደቂ ኣንስትዮ ንዝማዕበልት ኢትዮጵያን’ ብዝብል መሪሕ ሓብ ብዝተፈላለዩ ኩነታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ብዓለም ንመበል 115 ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 50 ግዜ እናተኸበረ ዝርከብ እንትኾን፤ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኩለመዳያዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምድህሳስ ዝዓለመ ምዃኑ ይሕበር።
እቲ በዓል መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ግሁድ ለውጢ ኣብ ምቕያርን ምክፍፋል ሃብቲ፣ ማሕበራዊ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅን ዘተኮረ እዩ ፡፡
ብተወሳኺ ብደቂ ኣንስትዮ ተሰሪሖም ዝመፁ ዓወታት ምቕፃልን ደቂ ኣንስትዮ ንረብሓአን ዝዕንቅፋት ብምፍታሕ ቀፃሊነት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊያን ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ቃል ዝእተዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ተጠቀምቲ ከምዝኾና፣ ዝተረኸቡ ዝጭበጡ ለውጥታት እንታይ ምዃኖምን ካልኦት ስራሕትን ከምዝድህስስ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ዝተኽኣለ እንትኾ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚደንት ሓዊሱ ናብ ኣመራሓ ምምፃእ ተኻኢሉ፡፡
ኣብ ዓውዲታት ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ኣብ ዝተኻየደ ስራሕ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Take
Comments (0)
Add Comment