ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብብርኪ ዓለም ንበል 34 ግዘ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 20 ግዘ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ወይ እውን መዓልቲ ፃዕዳ ሪቫን “መጥቃዕቲ ዘይዕገስ ማሕበረሰብ ንህንፀት ወለዶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡

ብብርኪ ኢትዮጵያ እናተኸበረ ዝርከብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ንተኸታታሊ 16 መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ዓለም ለኸ ሲቪል ትካላት፣ ትካላት ሃይማኖትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment