ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ጉዕዞ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ታሪካዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ኢዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ጉዕዞ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ታሪካዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ።

ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተሳለጠ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝጠመተ መብርሂ ቀሪቡ።

እቶም ሚኒስትር ገንዘብ፥ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ዲዛይንን ዝለዓለ ዝምድናን እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ መዲና ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ንክትከውን ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መእተዊ ኣፍደገ ኣቪዬሽን ናይ ምዃን ዓቕሚ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።

ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ ዓመት ክሳብ 110 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ከምዘተኣናግድ ትፅቢ ከምዝግበረሉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪካ ዝለዓለ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

ንቐፃሊ ናይ ንግዲ፣ ምጉዕዓዝን ኣህጉራዊ ዝምድናን ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከምዝህልዎ እውን ተገሊፁ።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment