ዓለም ለኸ ምሕዝነት ዘጠናኽር ቱሪዝም …

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቱሪዝም መስክ የህዝብ ለህዝብ ዲፕሎማሲን ብምጥንኻር ዓለም ለኸ ምሕዝነት ዘጠናኽር ኢሎም ምሁራን እቲ ዓውዲ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ቱሪዝምን ሆቴል ማኔጅመንትን ሄኖክ በቀለ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ ካብ ዓምዲታት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሓደ ዝኾነ ዓውዲ ቱሪዝም ብመንግስቲ ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎ።

እዚ ድማ እቲ ዓውዲ ብመንፅር ዘለዎ ብዙሕ ኣስተዋፅኦ ግቡእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቱሪዝም ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጠናኽር፣ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ከምኡ እውን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘዕቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ መምህር ቱሪዝም ኣስራት ደስታ ብግደኦም፤ እታ ሃገር ዘደንቕ ተፈጥሮ፣ ታሪኽን ባህሊን ብግቡእ ብምልማዕ ኣብ ረብሓ ክተውዕል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቶም ሃፍቲታት ቱሪዝም ሓበራዊ ያታን ምስሊን ንምህናፅ ልዑል እጃም ስለዘለዎም ብግቡእ ምጥቃም ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ድሕሪ ሒደት እዋን ኢትዮጵያ ተተኣናግዶም ዓለም ለኸ ጉባኤታት ንዕቤት ቱሪዝምን ንመሳርሒ ዲፕሎማሲን ክነውዕሎም ይግባእ እውን ኢሎም።

ብኢብራሂም ባዲ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment