ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽንን ፅርየትን ጥዕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ፡፡
“ኢኖቬሽን ንኩለመዳያዊ ዓወት ሽፋን ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሚኒስትሪ ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝተዳለወ ጉባኤ ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተሳቲፎም።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝካየድ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢኖቬሽን ጥዕና፣ ድሕነት ብግልጋሎት ፍትሓዊን ዓለም ለኸ ተበፃሕነ ንምግባር ትኹረት ክገብር እዩ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ሳህረላህ ኣብዱላሂ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓውዲ ጥዕና ፈጠራ ከም ፀገም ፈታሒ ብምውሳድ ፅቡቕ ውፅኢት ምምፃእ ተኻኢሉ፡፡
ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ዝስርሑ ስራሕቲታት ኣብቲ ዓውዲ ግልጋሎቱ ተባፃሒነቱ ንምስፋሕ ከምዝኽአለ ሓቢረን፡፡
ብዮናስ ጌትነት
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!