ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽንን ፅርየትን ጥዕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽንን ፅርየትን ጥዕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጥ ጀሚሩ፡፡

“ኢኖቬሽን ንኩለመዳያዊ ዓወት ሽፋን ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሚኒስትሪ ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝተዳለወ ጉባኤ ብዙሓት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተሳቲፎም።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝካየድ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢኖቬሽን ጥዕና፣ ድሕነት ብግልጋሎት ፍትሓዊን ዓለም ለኸ ተበፃሕነ ንምግባር ትኹረት ክገብር እዩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ሳህረላህ ኣብዱላሂ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓውዲ ጥዕና ፈጠራ ከም ፀገም ፈታሒ ብምውሳድ ፅቡቕ ውፅኢት ምምፃእ ተኻኢሉ፡፡

ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ዝስርሑ ስራሕቲታት ኣብቲ ዓውዲ ግልጋሎቱ ተባፃሒነቱ ንምስፋሕ ከምዝኽአለ ሓቢረን፡፡

ብዮናስ ጌትነት

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment