ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓመታዊ በዓል ግሸን ደብረ ከርቤ ፅባሕ ብድምቀት ክኽበር ኢዩ፡፡
እቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል 21 መስከረም ኣብቲ ዞባ ወረዳ ኣምባሰል እምባ ግሸን ብድምቀት ዝኽበር እንትኸውን፤ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ን በፃሕቲን ናብቲ ቦታ እናኣተዉ ይርከቡ።
እቲ በዓል ከም ወት ሎሚ እውን ብዝደመቐ ኩነታት ንኽኽበር ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወሎ ኣፍሊጡ።
ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝፀንሐ ጋሻ ተቐባልነቱ ንምርኣይ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን እቲ ዞባ ዝመርም ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብምውዳብ ናብ ስራሕ ኣቲዮም።
ብዋናነት እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ኮሚቴ ፀፅታ ተጣይሹ እናሰርሐ ዝፀንሐ እንትኸውን፤ ሰራዊት ምክልኻልን ትካላት ፀፅታ እቲ ክልልን ብሓባር ብምዃን ስራሕቲ እናሰርሑ ይርከቡ።
ብሙሉቀን ኣበበ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!