ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ዓብዪ ክብሪ ይቅርታን ሓድነትን ጊፋታ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ኢሎም፡፡
በዓል መለወጢ ዘበን ብሄር ወላይታ “ጊፋታ” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ኣብ ወከልቲ ሓድጊታት ደቂ ሰብ ተመዝጊቡ ኢዩ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ እቲ በዓል ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቡ ብምምልካት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ መግለፂ ሓጎስ፥ ዓሚቕ መንፈሳዊ ትርጉም፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር፣ ክብሪ ይቅርታን ሓድነትን “ጊፋታ” ሎሚ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ክረክብ ክኢሉ ኢሎም፡፡
ፓርቲ ብልፅግና ባህላዊ ሃፍቲታት እዛ ሃገር ዓለም ለኸ ትኹረት ንኽረኽቡን ንዓውዲ ቱሪዝም ልዑል እታወት ክኾኑን ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፥ እዚ ታሪኻዊ ዓወት ንምዕባለ ባህሊ ሃገርና ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም፡፡
እዚ ዓወት ጋህዲ ንኽኸውን ብዘይድኻም እናሰርሑ ንዝፀንሑ ኣባላት ማሕበረሰብ ወላይታ፣ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፣ ኣብቲ ከይዲ ዝተሳተፉ ምሁራንን ንዩኔስኮን ኣመስጊኖም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!