ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝምን መብፅሒት ቱሪስትን ምዃና ብዝበለፀ ዘስፍሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝምን መብፅሒት ቱሪስትን ምዃና ብዝበለፀ ዘስፍሕ ኢዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃፍታይ ገ/እግዚአብሄር።

እቶም ሓላፊ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 25 ውድድር ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቲ ውድድር ንዝሓለፉ ብዙሓት ዓመታት ፅባቐ እታ ከተማ ብድምቀት ንዓለም እናፋለጠ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጉያ ሕዚ እውነ ንቱሪዝም ኣዲስ ኣበባ ተወሳኺ ድምቀትን መስሕብን ብምዃን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር፣ ንሓድነት ህዝቢታት፣ ሕብረትን ምትእስሳር ባህሊን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ፤ እታ ከተማ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝምን መብፅሒት ቱሪስትን ምዃና ብዝበለፀ ዘስፍሕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ምቹዋት ዝኾኑን ቱሪዝም ስፖርት ዘጠናኽሩን ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ብምህናፅ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝገበረ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ንምፍላጥን ክብ ንምባልን መሰል ምድላትን ብሓባር ኣጠናኺሩ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment