ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መዐቀኒ ምኽኣልና፤ ማሕተም ሓድነትና እዩ ኢሎም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ።
ዕዉት ምዝዛምን ምረቓን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣሰላ ፓነል ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ፓነል ዘተ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ከምዝበልዎ ፤ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ምዝዛሙ ክበፅሕ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊሉ እዩ።
እቲ ግድብ ውፅኢት ረሃፅ፣ ደምን ንብዓትን እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣወል፤ እዚ መዐቀኒ ምኽኣልና ማሕተም ሓድነትና እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኩሉ ነገር ከምዝኽኣል ሕብረተሰብ ዘርኣየ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ህንፀት ንፍፃመ ንክበቕዕ ዝገበረ ህዝቢ ዝገበሮ ድጋፍ ኣመስጊኖም፡፡
ብወንድሙ አዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!