ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ብርእሰ ዓቕሚ ብመንግስቲን ህዝቢን ዝተሃነፀ ኢዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ እቲ ግድብ፡፡
እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ መዓልቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ኣብዝሓለፈ በጀት ዓመት ነቲ ግድብ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተኣከበ ገንዘብ ካብ ትልሚ 7 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ምክትል ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ፍቅርተ ታምር ኣብ መግለፂአን ፀሪሐን፡፡
ኢትዮጵያውያን ብሞራል፣ ብገንዘብ፣ ብጉልበት፣ ብፍልጠት፣ ብፕብሊክ ዲፕሎማሲን ሓለዋ ከካባቢን ብምርብራብ ዝተመዘገበ ዓወት ብወለዶ ዝዝከር ህያው ዓወት ኢዩ ኢሎም፡፡
ህንፀት ካብ ዝተጀመረሉ ግዘ ጀሚሩ ብዕድጊት ቦንድን ብህያብን ኣብ ውሽጢ ሃገር 20 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ከምኡ እውነ ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ምእካብ ተኻሉ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ እቶታት ልዕሊ 1.7 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ዝገለፃፃታን ምክትል ዋና ፈፃሚት ስራሕ፥ ብሓፈሻ ክሻብ 30 ሰኔ 2017 ዓ.ም ካብ ሕብረተሰብ ልዕሊ 23 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ ንህንፀት እቲ ግድብ ውዒሉ ኢሎም።
ብሰለሞን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!