ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምዝዛሙ ልዑል ኩርዓት ተሰሚዑና ኢሎም መንቃሕቲ ሚዲያ፡፡
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ኡስታዝ ጀማል በሽር፥ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምጥቃም ናፅነትና ዝኣወጅናሉ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዙሪያ እቲ ግድብ ዝሰርሑዎ ስራ ግብፂ ንዝሓለፉ 70 ዓመታት ብዛዕባ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ዝሰርሐቶ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ብምምካት እቲ ሓቂ ንዓለም ዘርአየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይ ግድብ ህዳሰ ሓቂ ንዓለም ብምፍላጦም ንፍረ በቒዑ ብምርኣዮምን ልዑል ኩርዓት ከምዝተሰመዖም ገሊፆም፡፡
ጋዜጠኛ ፈኢድ መሓሙድ ብግድኡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ቋንቋታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሚዲያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮም ሓቢሩ፡፡
ብፍላይ ብቋንቋ ዓረብኛ ሓቂታት ግድብ ህዳሰ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣዘኻኺሮም፡፡
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መራኀብቲ ሓፋሽ ኣገልግሎት ቋንቋ ምጅማሩ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ንዓለም ንምፍላጥ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢሎም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!