ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ከምዘይጎድእ ክፍለጥ ይግባእ – ኣይተ ሙሳ ሼኮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ዝበሉ ሃገራዊ ጉዳያት ዙርያ ረብሓ ሃገር ብምቕዳም ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓረብ ዓለም ቀሪቦም ንኢትዮጵያ ካብ ዝሟገቱ ኣይተ ሙሳ ሼኮ እቶም ሓደ እዮም፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝርከብ ጣቢያ ኣልጀዚራ ተረኺም ብዛዕባ እቲ ግድብ ብሰፊሑ ፃንሒት ዝገበሩ እንትኾን፤ ኣብ ፃንሒቶም ኣብቲ ግድብ ካብ ምጅማሩ ክሳብ ከይዲ ምዝዛሙ ብዝምልከት ኣረዲኦም፡፡

ብፍላይ እቲ ግድብ ዓወት መላእ ኢትዮጵያዊያን ምዃኑ ብምሕባር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ዝቐረበ መሰረት ዘይብሉ ክስን ወረታትን ብምንፃግ ኣፅላእሊኦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ግብፂ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ተጠቒማ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈረሙ ስምምዓት ብምጥሓስ ብሓደ ወገን ነቲ ግድብ ሰሪሓ እያ፤ ንምዝርራብ ፍቓደኛ ኣይኮነትን ዝብል ክሲ እውን ነፂጎምዎ።

ኣይተ ሙሳ ብፍሉይ ነቲ ግድብ ንምህናፅ ዝነበረ ድሌትን ትልሚን ከምቲ ግብፂ እትብሎ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ከም ዕድል ተጠቒማ ዝጀመረ ዘይኮነስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ዘመናት ዝተጀመረ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ነቲ ግድብ ንምስራሕ ሓሳብ ዝተጀመረ ካብ 20 ክፍለ ዘበናት ጀሚሩ ግዝኣት ኢትዮጵያ ካብ ዘፈልፈሎ ሩባ ኣባይ ንምጥቃም ትልሚ ከምዝነበራን ኣብ ከይዲ”ግድብ ህዳሰ” ናብ ዝብል ሃገራዊ ፕሮጀክት ምዕባዩ ታሪክ ዋቢ ገይሮም ኣረዲኦም፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ እንትትሃንፅ ግብፂ ምስ ሱዳን ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኮይኑ ግና ግብፂ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ሊግ ዓረብ ሓዊሱ ናብ ካልኦት ኣካላት ብምብፃሕ ነቲ ድርድር ክተመሓላልፎ ከምዝፀንሐት ኣዘኻኺሮም።

ብኣሕመድ ኣብዱልባር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment