ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ታሪኽ ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ኮይኑ ዝነብር ዓብዪ ገሊ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤምሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ታሪኽ ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ኮይኑ ዝነብር ዓብዪ ገሊ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ናይ ዘበናት ሕራነ ኢትዮጵያውያን ዝነበረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ጉባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓቱ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ግድብ ህዳሰ ናይ ትማሊ ሕራነ መብሰሪ ናይ ዝመፅእ ወጋሕታ መብሰሪ ኢዩ ኢሎም፡፡

ቅድም ክብል ኣባይ እግሪ እምበር ኣፍ ስለዘይነበሮ ብዙሓት እናተዛረቡሉ ፀኒሖም ኢዮም፤ ሎሚ መዓልቲ ግን ኣፍ ኣውፂኡ ምዝራብ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብኣካል ከይዱ ክዕዘቦ ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ምምልካት ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቃላይ ንጋት 74 ትሪሊየን ሊትሮ ማይ ክሕዝ ክኢሉ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዚ ድማ ብሓደ ብር እንትሕሰብ 74 ትሪሊየን ብር ማለት ኢ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment