ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንብራኸ ኢትዮጵያ ዓብዪ መሰረት እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓቀኛ ምስክር ታሪኽ ብራኸ ኢትዮጵያ ዓብዪ መሰረት እዩ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እቲ ግድብ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቕዑ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማን ፌደራልን ኣብ ዝተረኸብሉ ሰልፊ ድጋፍ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርኦ መደረ፤ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ መብራህቲ ተስፋ፣ ሓቀኛ ምስክር ታሪኽና፣ ብራኸ ኢትዮጵያን ዓብዪ መሰረት ምዃኑ ኣረዲኤን።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይዚ ክፍለ ዘመን ዓብዩ ዓወትን መዛዘሚ ቃልስናን ምዃኑ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ኣመስጊነን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment