ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንውልቀ ኢንቨስትመንት ዘለዎ ግደ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መስከረም እተመርቖ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንውልቀ ኢንቨስትመንት ዓንዲ ሑቐ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢታፋ(ዶ/ር)።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኬፕ ታውን ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ማይ ኣፍሪካ ኣብ ዘተ ፓናል ላዕለዎት ሚኒስትራት ብዛዕባ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ፥ ኢትዮጵያ እትዛዝሞ ዘላ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጠሚቶም እቲ ፕሮጀክት ፋይናንስ ብዛዕባ ዝተገበረሉ ኩነታት ተመክሮኣ ንክተካፍል ሓቲቶም።

ብመሰረት እዚ እቲ ፕሮጀክት በዝነበሩ መንግስታት ንክጅመር ኢትዮጰያ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ደገፍ ፋይናንሰን ልቓሕን ሓቲታ ምርካብ ብዘይምኽኣላ ቀፃሊ ትውልዲ ከምዝሃንፆ ብምእማን ናይ ሎሚ ትውልዲ ትፅቢት ንክግበረሉ ተገዲዱ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግድብ ብቐንዱ ብዓቕሚ መንግስቲ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዲያስፖራ ኣባላት ብቐጥታ ተሳትፎ ዝተሃነፀ ናይ ኣፍሪካ ኩርዓትን ፕሮጀክት ኣማራፂ ሓይሊን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብ ስራሕቲ ህንፀት እቲ ግድብ ሰብ ሃፍቲ ብቐጥታ ብምስታፍ ኣሰሮም ዘቐመጥሉ ካብ ፍልፍል ሓይሊ ብተወሳኺ ቀንዲ ዓንዲ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ኢዩ ኢሎም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ብቐንዱ ንውልቀ ዓውዲ ልዑል ዕድል ኢንቨስትመንት ሒዙ ከምዝመፅእ ምግላፆም እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ መረዳእታ ሓቢሩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment