ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብተፀባይነት ምንጋፍ ከምትኽእል መርኣያ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ እቲ ግድብ ምዝዛም ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዝርከብ ህዝባዊ ሰልፊ ደገፍ ከምዝበልዎ እቲ ግድብ ዋና መልእኽቲ ንክእል ኢና ዝብል እዩ።
20 ሚልዮን ህዝቢ ተፀበይቲ ዝብል ስም ምድርባይ ንኽእል ኢና ኢሎም እቶም ፕሬዚደንት፤ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀንዲ መልእቲ እዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ መልእኽቶም፤ ኢትዮጵያውያን ኣርሒቖም ይሓስቡ፣ ይምርምሩ፣ሰሪሖም የርእዩ ኢሎም፡፡
ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ፍፃመ ክረክብ እጃሞም ንዘበርከቱ ኣካላት እቶም ፕሬዚደንት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!