ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዝዛም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።
ኣብቲ ሰልፊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።
ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ባህር ዳር ጎሹ እንዳላማው ኣብቲ÷ ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ናፅነት ክትከውን ዘይደልዩ ፀላእቲ እናደፍኡዋን እናወግኡዋን ከምዝፀንሑ ብምሕባር÷ ኢትዮጵያውያን ግን ዓወት ልምዶም ስለዝኾነ እናተዓወቱ ፀኒሖም ኢዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ካብ ድኽነትን ጎንፂን ንምውፃእ ስራሕ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ÷ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጅማሮ ምዓበለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ህዳሰ መርአያ ሰዓራይነት፣ መብሰሪ ጉዕዞ ምዕባለ፣ መርአያ ሓድነት ከምኡ እውን ብሓድነት ክነዕውቶ ዘይንኽእል ነገር ከምዘየለ ዘርአየ ዳግማዊ ዓድዋ ኢ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።