ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘበን ተሳጋሪ ማህተም ዓወት ኢዩ – ርእሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ መሓመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ነገር ምዕዋት ከምንኽእል ብተግባር ዘረጋገፀ ዘበን ተሳጋሪ ማህተም ዓወት ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ።

ምዝዛም እቲ ግድብ ብምምልካት ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

እቶም ርእሰ መምሕዳር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ግድ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ዘተሓባበረን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጎልበተን ዝዓበየን ፕሮጀክት ኢዩ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ሓሊፉ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ተሰማዕነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ጉዕዞ ብልፅግና ንኽዕወት ዝገብር ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ግድብ ኣሰር ትውልዲ ዝዓረፈሉ ናይ ዓወት ሓወልቲ፣ መግለፂ ሕብረትን ዕብየተን ጩራ ተስፋ ሓዱሽ ወለዶ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ተዛዚሙ ንምረቓ ምብቅዑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment