ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ትካላት ድሕንነትን ፀጥታን ካብ ምዝማን ጀሚሩ ክሳብ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘመዝገብናዮ ዓብዪ ዓወት፣ ናይ ሓባር ዕላማናን ዘይንቕነቕ ፅንዓትናን እዩ ኢለና ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)።
ጳጉሜን 1 መዓልቲ ፅንዓት “ፅኑዕ መሰረት፤ ሓያል ሃገር’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ንዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እናተኸበረ ይርኸብ።
ኣብቲ ምድላው ምክትል ላዕለዋይ ሰራዊት ምክልኻል ኤታማዦር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰ ሓዊሱ ነበር ፕሬዚዳት ፌዴሪኢ ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ትካላት ፀጥታን ድሕነትን፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን ከምኡ እውን ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም።
አይሻ መሐመድ (ኢ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፣ ሎሚ መዓልቲ ፅንዓት እነብዕሎ ዘለና እዋን ሕሉፍ ዓወታት ጥራይ ኣይኮናን ነብዕል ዘለና፤ ንመፃኢ ተስፋታትና እውን ንሓቑፍ ኣለና ኢለን።
ፅንዓት ዝመርሕ ኮምፓስ፣ ሓይሊ ሓድነትናን መንገድናን ዘብርህ ሽግ እዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!