ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓወታትና ልዕልና ሰንደቕና ዝውስኹ ኢዮም ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ሎሚ መዓል ዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ናይ ለውጢ ዓመታት ዝላ ዘምፅኡ ዓወታት እናመዝገበት ዝምጥና ብራኸ እናሓዘት ትርከብ ኢሉ።
ንዘበናት ፍልፍል ያታ ነስሓን ምስቁንቋንን ዝነበረ ኣባይ ብምግራሕ ፍልፍል ሓይሊን ብርሃንን ገይራ ኢያ ክብል እውን ሓቢሩ፡፡
ኣብ ቃላይ ንጋት ኣብ ሉኣላዊነት ምግቢ ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ፍርያት ዓሳ ክትረክብ ክኢላ ኢያ፤ ሓዲስ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ደሴታትን ከተማታትን ፈጢራ ኢያ፤ ተረኽ ሕራነ ኣባይ ናብ ዓወትን ብስራት ሰዓራይነትን ቀይራ ኢያ ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡
ተወሰኽቲ ፍልላት ሓይሊ ካብ ማይ ክሳብ ሃፋ፣ ካብ ብርሃን ፀሓይ ክሳብ ሓይሊ ኒውክሌየርን ንፋስን እናሃነፀት ከምትርከብ እውን ገሊፁ፡፡
እዞም ኩሎም ዓወታት ናይ ሰንደቓ ብራኸን ተምሳሌትነትን ዘጉልሁ ኢዮም ኢሉ፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ገፀ ምድሪ ሓሊፉ ኣብ ከርሰ ምድሪ ዘለዉ ሃፍቲታታ ናብ ምጥቃም ተሰጋጊራ ኣላ፡፡
ተፈጥሮ ጋዝ ንምውፃእ ዝተርኣ ዓወት ንምብራኽ፣ ብነዳዲ ዘይቲ እውን ንምድጋም ዓብይቲ ፕሮጀክታት ጀሚራ ኣላ፡፡
ውፅኢታውነት ዓውዲ ሕርሻ ንምዕባይ ዘበናዊ ዱኽዒ ብርእሰ ዓቕሚ ንምፍራይ ወሳኒ ኣብ ምዕራፍ ከምዝበጥሐተ ሓቢሩ፡፡
እዚ ድማ ሉኣላዊነት ምግብና ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ስራሕ ብዝበለፀ ክጠናኸር ኢዩ ኢሉ።