ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጠለብ ሓይሊ ንምምላእን መሰረት ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ጥራሕ ኣይኮነን።
ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ሊኣላውነትን ሃገራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ዘኽበረ ህያው መርኣያ ታሪኻዊ ፅንዓትን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲን እውን እዩ።
ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ንዘበናት ዝፀንሑ ታሪኻዊ ምዝባዓትን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪታትን ብምስጋር ኢትዮጵያ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ተረባሕነት ሃፍታ ክተረጋግፅ ክኢላ እያ።
ነዚ ታሪኻዊ ዓወት ድማ ዝተዋሃሃደ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከም ቀንዲ ስትራተጂያዊ መሳርሒ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወፁ ኣካዳሚያዊ መፅናዕትታት ከም ዘመልክቱዎ፤ ብምሁራን፣ ሲቪክ ማሕበራትን መራኸቢ ብዙሓትን ኣቢሎም ዝተኻየዱ ህዝባዊ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳት እቲ ሓቂ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምፍላጥ ኣኽኢሉዎም እዩ።
እቲ ግድብ ንታሪኻዊ ድርሻ ብፅሒት ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዘይጎድእ፣ እኳ ደኣስ ኣብ ሓባራዊን ፍትሓዊን ተረባሕነት ዝተመስረተ ፕሮጀክት ልምዓት ምዃኑ ንምርግጋፅ ልዑል ተራ ተፃዊቶም እዮም።
ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ነቲ ሃገራዊ ፃውዒት ብምቕባል ዘርአዩዎ ሓድነት ድማ ካሊእ ማእኸል ክፋል ናይዚ ታሪኽ እዩ።
ዳያስፖራ ዝተፈላለዩ ዲጂታላዊ መድረኻት ርክብን ወፍሪታት ማሕበራዊ ሚዲያን ብምጥቃም፣ ብተበግሶ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ይወርድ ንዝነበረ ከቢድ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ፀቕጢ ብፅንዓት መኪቶም እዮም።
እዞም ፈተውቲ ሃገር ዜጋታት ፍትሓዊ መሰል ምልማዕ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብምክታዕ ዝተዛብዑ ኣሉታዊ ያታታት ክቕየሩ ገይሮም እዮም።
እቲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብምቕራብ ድማ ዘይናወፅ ሃገራዊ ሓድነትን ዓለም ለኸ ሓጋዝነትን ብተግባር ኣርእዮም።
ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተጣየሹ ማእኸላት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ እውን ንምሁራን፣ ተመራመርቲን መናእሰይን ልዑል ዓቕሚ ኮይኖም።
ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተደገፉ ሓቂታት ብምጥቃም፣ ብፍላይ ብሚዲያታት ግብፂ ዝዝርግሑ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዝተወደቡ ወፍሪታት ሳይበርን ብሳይንሳዊ መገዲ ምፍራስ ተኻኢሉ።
ብሓፈሻ ህንፀትን ዲፕሎማሲያዊ ጉዕዞ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያውያን ብሓባር እንተተሰሊፎም ክዕወቱሉ ዘይኽእሉ ዕላማ ከምዘየለ ዘረጋገፀ እዩ።
ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፣ ፍልጠት ምሁራን፣ ደገፍን ኣለኹ ምባል ዳያስፖራን ዲጂታላዊ ወፍሪታት ተዋዲዶም፣ ሉኣላውነት ሃገርና፣ መሰል ልምዓትን ሃገራዊ ረብሓን ብፅንዓት ዝተኸላኸሉሉ ታሪኻዊ መርኣያ ዕቤትና እዩ።
ብኣብረሃም ኣበራ