ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓወት ዓድዋ ንኣፍሪካውያን ሓበራዊ ሓድነትን ወታደራዊ ምትሕባርን ልዑል መሰረት ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)
2ይ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ፣ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ዓወት ዓድዋ ንናፅነት ኣፍሪካውያን ጩራ ወጋሕታ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንሎሚ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ቀንዲ መበገሲ ኢዩ፡፡
ኣፍሪካውያን ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተርኣየ መንፈስ ይከኣል ብምሕንጋጥ ብሓባርን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ፀፅታን ወታደራዊ ምትሕብባርን ብዝበለፀ ከጠናኽሩ ይግባእ ኢለን።
ሃገራት ኣፍሪካ ሕዚ ዘሎ ተለዋዋጢን ዝተሓላለኸን ፖለቲካ ዓለምን ኩነታት ፀፅታን ኣብ ግምት ብምእታው ክልተኣዊን ኣህጉራዊ ምትሕብባረን ብምጥንኻር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብሓባር ጠጠው ክብላ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!