ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓወት ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዘኹረዐ ታሪኻዊ ዓወት ኢዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡
መበል 130 በዓል ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ በዓል ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ÷ ዓወት ዓድዋ ኣርዑት ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ልዕሊ ፀለምቲ ህዝቢታት ንኽበጣጠስ መገዲ ዝኸፈተ ታሪኽ ተጋድሎ ኢዩ።
ዓወት ዓድዋ ፀለምቲ ታሪኽ ክሰርሑ ዘይኽእሉ ኢዮም ዝብል ናይ ፋሺሽታት ኣተሓስባ ዝሰበረ ሓያል ዓወት ኢዩ ብምባል ዝገለፁ እቶም ፊልድ ማርሻል÷ ኢትዮጵያውያን ብኣፍራሶም፣ ብጦርን ጋሻኦምን፣ ብዝተወሰነ ድሑር ጦር መሳርሒታትን ልዕሊ ኩሉ ድማ ብመንፈስ ኣይብዳህን ንፀላኢ ዘሕፈሩሉ ኢዩ ኢሎም።
ጀጋኑ ኢትዮጵያ ዘይብድሁ ካብ ቅብብል ሓርበኝነት ህዝቢ ዝተፈጠሩ ናይ ቀደም ወለዶም ዝወርሱ ኢዮም ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ÷ ሓርበኝነት፣ ጅግንነትን ርእሰ ምትእምማንን ባህልና ቅድሚ ዓወት ዓድዋ ዝነበረ፣ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተደገመ ኢሉ እውን ክሳብ ሕዚ ዝተመሓላለፈልና ታሪኽና ኢዩ ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ሃገርና ንምድኻም ምስ ዝደልዩ ሓይሊታትን ታሪኻዊ ፀላእቲን ዝሰርሑ ናይዚ ዘበን ባንዳታት ኣለዉ፤ ዓወት ዓድዋ ግን ህዝብና ጥራሕ ዘይኮነስ ንባንዳታት እውን ናፃ ዘውፀአ ኢዩ ኢሎም።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ታሪኻዊኻላእቲ ዝተበገሰ ንሃገሩ ንዘይምጉዳእ ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ሃገር ንደቁ ከቐፅል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!