ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ኢሉ።
እቲ ሚኒስቴር ዓውዲ ትራንስፖርት ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ተዘ እናካየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ብትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝማዕበላ ሃገራት ኢኮኖሚአን ልዑል ስለዝኾነ ፈተና እንተጋጠመን እውን ዘለወን ዓሚቕ ዓቕሚ እቲ ፈተና ንኸሓልፋ የኽእለን ኢዩ ኢሎም።
ዓቅሚ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክብ ንምባር ኣብቲ ዓውዲ ብትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።
ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ኣብ ዝበፅሖ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንምብፃሕ ኣብዚ እዋን መሰረት ምንባር ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዓውዲ እናተወገነ ዝርከብ ሪፎርም ንምዕዋት እቲ ዓውዲ ከሳግሩ ዝኽእሉ ስራሕቲ ብትኹረት ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመልኪተን፡፡
ብዙሕ ምምሕያሽ ዘለዎም ፖሊሲታትን ማዕቐፋትን ከምዘለዉ ብምግላፅ÷ ፅባሕ እንበፅሖ ቦታ ብሓባር ብምስራሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ብግቡእ ካዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!