ዓውዲ ጥዕና ብዝድለ መጠን ንኽልወጥ ኣብዚሕና ንደሊ ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ጥዕና ብዝድለ መጠን ንኽልወጥ ኣብዚሕና ንደሊ ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ከምዝሉዎ÷ ኣብታ ሃገር መሰረተ ልምዓታት ጥዕና ንምስፋሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጠሚቶም ኣብሪሆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/) ኣብቲ እዋን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብድምሩ ልዕሊ 6 ሺሕ ሓደሽቲ ኬላታት ጥዕና፣ ጣቢያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ከምዝተሃነፁን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ሕድሳትን ከምዝተወገኑ ኣልዒሎም፡፡

ልዕሊ 350 ኬላታት ጥዕና፣ ልዕሊ 100 ጣቢያታት ጥዕና፣ 190 ሆስፒታላትን 11 ስፔሻላይዝድ ሆስፒታላትን ከምዝተሃነፁ ብምሕባር፥ 1 ሺሕን 800 ዝኾኑ ትካላት ጥዕና ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን ሕድሳትን ተሰሪሑ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ በቢከባቢኡ ዘለዉ ዝርገሐ ሕማምን መሰል ሓበሬታታትን ኣብ ግምት ብምእታው 15 ዝኾኑ ላቦራቶሪታት ጥዕና ከምዝተሃነፁን ኣገልግሎት ማይን ሶላርን ዘይብሎም ልዕሊ 1 ሺሕ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

እዞም ስራሕቲ ምድንፋዕ እንተዝከኣል ናተይ እውን ድሌት ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፥ ነገር ግን ምንም ኣይተሰርሐን ምባል ትኽክል ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትካላት ጥዕና ንሰራሕተኛታቶም ምቹው ከባቢ ስራሕ ምግባር ብዝብል ሓሳብ ዘፈር ውልቀ ብምትእስሳር ኣብ ጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ሕድሳት ከምዝጀመሩ ብምሕባር፥ እዚ ፃዕሪ ምስፍሕፋሕ ካብ ትካላት እቲ ዓውዲ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ሕክምና ንኽልወጥ ኣብዚሕና ንደሊ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ድሌት ፀገም ኣየሃሉ እምበር ናይ ዓቕሚ ውስንነት ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 22 ሺሕ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ጥዕና ከምዘለዉ ብምሕባር÷ እዞም ኩሎም ትካላት ብመንግስቲ ዓቕሚ ጥራሕ ምሕዳስ ከምዘይከኣል ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሰብ እናተቖፀረ ኣይኮነን ብዝብል ንዝቐርቡ ሕቶታታት የሃልዉ እምበር ቁፅሪ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ኣልዒሎም፡፡

ቅድሚ ለውጢ  ኣብ ኢትዮጵያ 219 ሺሕ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዕፅፊ ዓብዩ ልዕሊ 520 ሺሕ ሰብ ሞያ ጥዕናከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment