ዓይነት ደምን ስርዓት ኣመጋግባን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ደም ወዲ ሰብ ኣብ ቀይሕ ደም ህዋሳት ዘለው ንጥረ ነገራት መሰረት ኤ (A) ፣ ቢ (B) ፣ ኤቢ (AB) ን ኦ (O) ተባሂሎም ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈሉ፡፡ እንምገቦም ምግቢታት ምስሓቐቑ ብደምና ገይሩ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሰውናትና ይሰራጮ፡፡ በዙይ ድማ ምስ ዓይነት ደምና ዝስማዕማዕ ምግቢ እንትንምገብ ንሰውነትና ግቡእ ክብደት ሰውነት ክህልወናን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚና ክጉልብትን የኽእል፡፡

በዙይ መሰረት ዓይነት ደም ኤ (A) ስርዓት ኣመጋግባ፡- እዚ ዓይነት ደም ደቂ ሰባት ናብ ሕርሻ ምስ ኣተዉ ብዘጋጠመ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ምክንያት ዝተፈጥረ እዩ። ኣብቲ እዋን ደቂ ሰባት ንምግቢነት ኣትክልቲ ብምጥቃሞም ኣብ ከይዲ ግዜ ድማ ኣዝዩ ዝማዕበለ ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ኣማዕቢሎም። ኣብ መዓንጣኦም ዝነብሩ ዓይነትን ባክተርያታት ቁፅሪ እውን ወሰኹ። ናይዚ ደም ዓይነት ዘለዎም ሰባት ኣፕል፣ ኣቮካዶ፣ ሰላጣ፣ ካሮት፣ ፃዕዳ ሽጉርቲ፣ርጉኦ፣ ስርናይ ባኒን ፓስታን ክበልዑ ይምከር። ኮይኑ ግና እንቋቑሖ፣ ስጋን ደርሆን ክምገቡ ኣይምከርን፡፡

ዓይነት ደም ቢ (B) ስርዓት ኣመጋግባ፡- እዚ ዓይነት ደም ጥንታውያን ሃደንቲ ናብ ሂማላያስ ምስ ተሰደዱን እንስሳታት ብምልማድ ህይወት ሰበክ ሳግም እንትጅምሩ ዝተፈጠረ ዓይነት ደም እዩ፡፡ ቀይሕ ስጋ፣ ዓሳ፣ ርጉኦ፣ ፃባ፣ ባናና፣ ኣሕምልቲ፣ ወይኒን ኣናናስን ካብ ዝስምዕምዕዎም ምግብታት ውሽጢ ዝፅርሑ እንትኾኑ ፤ ደርሆ፣ ስርናይ፣ ኮሚደረን ለውዝን ግን ከይምገቡ ይምዕድ፡፡

ዓይነት ደም ኤቢ (AB) ስርዓት ኣመጋግባ፡- እዚ ዓይነት ደም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ እንትኾን ኣብ ህዝቢ ዓለም ሓሙሽተ ሚእታዊት ጥራይ እዩ ዝርከብ። እዚ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ስጋን ካልእ ፍርያት እንስሳን ምውሳድ እኳ ተኽኣሉ መጠን ኣሲድ ከብዶም ትሑት ስለዝኾነ ዝበልዕዎ ምግቢ ከም ስብሒ ይቕመጥ። ፍረታትን ኣሕምልትን፣ ብርጭቅን ወይንን፣ ከም ቱናን ሳርዲንን ዝኣመሰሉ ምግቢ ባሕሪ ምብላዕ ዝምዕድ እንትኮን ስጋ ከብትን ስጋ ሓሰማን ከምኡ እውን ኣልኮልን ቡንን ምስታይ ክርሕቁ ይግባእ።

ዓይነት ደም ኦ (O) ዘለዎም ስርዓት ኣመጋግባ፡- እዚ ዓይነት ደም ካብ ካልኦት ዓይነታት ደም ዝነበረን ሃደንቲ ካብ እንስሳታት ዝወረስዎ ጥንታዊ ዓይነት ደም እዩ። እዚ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ዓሳ፣ ምግቢ ባሕሪ፣ ቀይሕ ስጋ፣ ጨው፣ ደርሆ፣ ሽኮር ድንሽ ዝኣመሰሉ ምግቢታት ክበልዑ ይምከር። ብተወሳኺ ድማ እንቋቑሖ፣ ፍርያት እንስሳ፣ ስርናይን ባሎንጋ ከይምገቡ ይምዕድ፡፡

Comments (0)
Add Comment