ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃና ደበሌ ኣብ ሸሞንተ ዓመታ ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሕማም ዓይኒ ምኽንያት ብርሃን ዓይና ስኢና ኢያ።
ብቑልዕነታ ምርኣይ ዘይምኽኣላ ኣገናዚባ እቲ ጉድኣት ክትምዝኖ ኣይትኽኣል እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ምንኣስ ዓቕሚ ካብ ትምህርቲን ካብ ዝተፋላለዩ ስራሕቲን ምትእጉጓላ ነስሓ አሕዲሩላ ኢዩ፤ ይኁን እምበር ሃና ንኹሉ ነገር ኢዳ ኣይሃበትን።
ሃና ብምኽንያት ሕማም ዓይኒ ኣብ ዝተወለደትሉ ከባቢ ገፀር ምንባር ኣፀጋሚ ስለዝኾና ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ናብራኣ ምስ ሓፍታ ከምዝገበረት ትዛረብ፡፡
ደሓር ድማ ሞያ እናሃለወኒ ንሰብ ኣየፀግምን ብምባል ብዘለዋ ዓቕሚ ገዛ ተኻርያ ውልቃዊ ህይወታ ብዘይ ሓጋዚ ምምራሕ ትጅምር።
ብቑልዕነታ ካብ እነኣ ከም ቀልዲ ዝተምሃሮቶ ሞያ ሎሚ ዓምዲ ናብራኣ ኮይኑላ ዓይነ ስውር ኮይና ከመይ ዝበለ ስራሕቲ ስፌት ክትሰርሕ ኣኽኢሉዋ ኢዩ።
ቀለም ርግሀኣ ብኢዳ እናዳህሰሰት ጥራሕ እናፈለየት ምስ እድና ብምውዳድ ብዝተፈላለያየ ቀለም ዝወቀቡ ሰፍኢታት፣ መሶብ ባኒን እንጀራን ብቕልጣፈን ብፅሬትን እትሰርሐሉ መገዲ ንብዙሓት ኣርኣያ ዝኸውን ኢዩ፡፡
ሃና ናይ ገዛ ስራሕታ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ትውግን፤ ከም ገፃ ምፅራይ፣ ምግቢ ምብሳልን ክዳን ምሕፃብን ዝበሉ ናይ ገዛ ስራሕቲ ንምስራሕ ናይ ማንም ድጋፍ ኣይትሓትትን።
ውፅኢት ስሕቲ ኢዳ ንዝእዝዙዋ ሰባት ጥራሕ ከምትሰርሕ እትዛረብ ሃና÷ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ዝተዘሓሓለ ዕዳጋኣ ናብራኣ ዋላ እንተኽበደላ ፈተናታታ ብፀንዓት እናተሳገረት ብዘለዋ ውህብቶ ሞያ ንፈጣሪኣ ተመስግን።
ሃና ሕማም ዓይና ዝድሕን ይኹን ዘይድሕን ንምፍላጥ እኹል ሕክምና ብዘይምግባራ ምኽንያት ክትፈልጥ ከምዘይከኣለት ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበራ ፃንሒት ተዛሪባ፡፡
ንካልኦት ተምሳሌት ጥንካረ ምዃንን ካብ ሕማማ ድሒና ኣብ ፀገም ንዘለዉ ሰባት ምብፃሕን ናይ ኩሉ ግዘ ሕልማ ኢዩ።
ብበፀሎት መንገሻ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!