ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መበል 130 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ ዓወት ዓድዋ ኣኽሊል ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት፤ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣፈላላዮም ንጎኒ ብምሕዳግ፣ ብሓድነት ዝተሰለፉሉን ዓወት ዝዓተሩሉን ሓበራዊ ሓቂ፣ ሓበራዊ ክብሪ፣ ሓበራዊ ታሪሕና ኢዩ ኢሎም።
ዓድዋ ብፅቡቕ ዝተሓባበራ ልቢታት፣ ብጉልበት ፍቕሪ ዝበርትዓ ቀላፅም፣ ብሕብረት ዝተሰለፉ ጀጋኑ ዓወት ዘመዝገቡሉ ተምሳሌት ፅኑዕ መንፈስን ብራኸን ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡
ካብ ዓወት ዓድዋ ንመሃሮ ዓብዪ ሓቂን ሓበራዊ ውርሲን ሓደ እንትንከውን ክንዕወት ከምንኽእል ኢ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!