ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕላማና ፅግዕተኝነትን ተሓጋዛይነትን ክቕፅል ምግባር ዘይኮነስ ኣፍሪካ ርእሳ ክትክእል ምግባር ኢዩ ኢለን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ።
እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር እዚ ዝበላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ንኽተሰናድእ ዝተመረፀት ኣብቲ ዓውዲ ብዘመዝገበቶ ዝድነቕ ተግባርን ንኣፍሪካውያን ብመንፅር ዘለዋ ግደ መሪሕነትን ውጥት ስርዓተ ምግቢ ኣብ ጫፍ ከምተብፅሕ ስለዝእመን ኢዩ ኢለን፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘመዝገበቶ ዓወት ብምንኣድ መፍረያይነትን ፍትሓዊ ዕድጊት ፍርያትን ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪበን።
ሉኣላዊነት ምግቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ካብ 10 ሚኢዊ ከምዘይበልፅን እቲ ፀገም ብልዑል ኩነታት ዘሎ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ምውዳድ ዝሓትት ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።
ናይ ኣፍሪካ ብምግቢ ርእስኻ ናይ ምኽኣል ከይዲ ንኽዕወት ሃገረንን ሕብረት ኣውሮፓን ሓገዝ ከምዝገብሩ ብምሕባር፥ ዕላማና ፅግዕተኝነትን ተሓጋዛይነትን ክቕፅል ምግባር ዘይኮነስ ኣፍሪካ ርእሳ ክትክእል ምግባር ኢዩ ኢለን፡፡
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!