ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዘሎ ዕቑር ፀጋ ኣሰር ትውልዲ ንምንባር ልዑል ዓቕሚ ኢዩ አሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ህዝባ ሰልፊ ደገፍ ተኻይዱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ክልል ዝተሳለጠ ሰልፊ ጠመተ ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ክልል ዝተርኣየ ሰልፊ ደገፍ ኣጠንኪርካ ንምብራኽ፣ ልምዓት ንምቅልጣፍን ንምርግጋፅን ስንቂ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝተመሓላለፉ መልእኽታት መንግስቲን ህዝብን ንኢትዮጵያ ብራኸ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ምጉዓዞም ብገልፂ ዘርኣዩ ቋንቋታት ልምዓት ኢዮም ኢሎም።
ምዝዛም ህዳሰ ብፃዕሪ ታሪክ ምልዋጥ ከምዝከኣል ንህዝቢ ክልል ሶማሌ መርኣያ ኮይኑዎ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!