ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) እቲ ህንፀት ንሃገርና ዝግብኣ ቅልጡፍ ልምዓት ንምግሃድ ብቆራፅነት ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ንጉዓዝ ከምዘለና ብተግባር ኣርኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡- “ድሕሪ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣዝዩ ዘመናውን ቅልጡፍን ፀጋታት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ዝተሃንፁ ኣባይቲ ዘርኢ ናይ ሳይት ዑደት ኣካይድና ኢሎም።
ኣብዚ ሳይትከም 3D ሕትመት፣ ቅድመ ምድላው ቀለልቲ ሓፂን ዓረብን ኮንተይነር ገዛውትን ዝኣመሰሉ ምዕቡላት ህንፀት ኣብ ረብሓ ከምዝውዓሉ ገሊፆም።
ሕድሕድ እቲ ህንፀት ቅልጣፈን ፅሬትን ትኽክለኛ ቴክኖሎጂ ክንጥቀም እንከለና ኣብ ነንሕድሕዱ ከምዘይጋጮ ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
ፅሬት ዘለዎም ኣባይቲ ኣብ ኣዋርሕን ዓመታትን ከይወሰዱ ብውሑዳት መዓልታትን ሰሙናትን ምህናፅን ምዝዛምን ከምዝከኣል ህያው ምስክር ምዃኑ ሓቢሮም።