ዕድመ ቁፅሪ ዝገበሮ ኮኾብ ሮናልዶ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) 5 ግዜ ተዓዋቲ ባሎንዶር ዝኾነ ኮኾብ ክርስትያኖ ሮናልዶ ክብረ ወሰን እናወሰደ ሕዚውን ፀወታኡ ይቕፅል ኣሎ።
ብዙሕ ውልቃዊ ዓወታት እንተሃለዎ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዓወት ፈፂሙ ዘይርሳዕ ኩሉ ግዜ ንኻልእ ዓወት ዝፅዕርን ኮኾብ እዩ።
እዚ ፖርቱጋላዊ ኮኾብ ዘይስዓርን ዕብየትን ንብዙሓት መንእሰያት ተፃወትቲ ኣብነት ጥራይ ዘይኮነ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶታት ዝዝረብ ዛንታ ዘለዎ ተፃዋታይ እዩ።
ሮናልዶ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ብፃዕርን ፅንዓትን ብድሆታት ላዕልን ታሕትን ህይወት ብምስጋር ንብዙሓት ኣርኣያ ኮይኑ ኣሎ።
ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ዓወቱ ይዕዘቡን ተስፋ ይገብሩን ድማ ኣለው መንእሰያት ተፃወትቲ ኣሰሩ ዝኽተሉ ብሉፅ ተፃዋታይ እዩ።
ኣብ ሊዝበን፣ ማንቸስተር፣ ማድሪድ፣ ቱሪን ዝነበረ ዘመን ንግስንኡ ወዲኡ ናብ ስዑዲ ድሕሪ ምኻድ ኣብ ሜዳ ዘርኣዮ ብቕዓት፤ ፅንዓትን ዓወትን ደው ከምዘይብል ዘርአየ ይርከብ፡፡
እዚ ንዕድመ ቁፅሪ ዝገበሮ ኮኾብ ናብ ሊግ ስዑዲ ዓረብ ምስተሰጋገረ እውን ሸቶታት ካብ ምምዝጋብ ኣየቋረፀን።
ሽልማት ዝመልኦ ሂወት ኩዕሶ እግሪ ዝነብር ዘሎ ሮናልዶ ንዓመታት ብቐፃሊ ንሃገራዊት ጋንታ ብምግልጋሉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል ናይ ኩሉ ግዜ ብሉፅ ተፃዋታይ ዝብል ሽልማት ምቅባሉ ይዝከር፡፡
ክርስትያኖ ሮናልዶ ብተደጋጋሚ ነቲ ካልኦት ሓንሳብ ዝበፅሕዎን ሽሞም ዘስምዑን ዓበይቲ ሽልማታት ተዓዊቱ እዩ።
ክርስትያኖ ሮናልዶ ንኩዕሶ እግሪ ስዑዲ ዓረብ ቀይሩ ብዙሓት ኮኾባት ተፃወትቲ ናብ ሊግ ስዑዲ ዓረብ ንክኸዱ ምኽንያት ዝኾነ ህቡብ ተፃዋታይ እዩ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment