ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ትካላት እምነት እጃሞም ንኸጠናኽሩ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ትካላት እምነት ዘለወን ግደ ኣጠናኺረን ንኽቕፅላ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣገንዚቦም፡፡

3ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ መራሕቲ ሃይማኖት ንህንፀት ሰላም ሃገር እጃሞም ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ኣቦታት ሃይማኖት ዘለዎም ዘይትካእ ግደ ብዝበለፀ ምጉላህ ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሕድሕድ ብምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ዘጋጥሙ ፀገማት ብቐሊሉ ንምውፃእን ሰላምን ልምዓትን ክቕፅል ንምግባርን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝጀመረቶ ሃገራዊ ምኽክር ውፅኢታዊ ንኽኸውን ግደ ኣቦታት ሃይማኖት ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ግደኦም ብዝበለፀ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment