ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር እንትሰርሑ እዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘላቒ ሰላም ዝረጋገፅ ኣካላት ሓይልታት ፀጥታ ሓዊሱ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር እንትሰርሑ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ።

ሚኒስትሪ ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ፀገማት ናብ ጎንፂ ከይዓቢ ንምትራፍ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ÷ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምዕዋት ሰላም ምፅናዕ የድሊ ኢሎም።

እቲ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ንምሕላው ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ገሊፆም።

ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፤ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፁ ኣካላት ሓይልታት ፀጥታ ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ልምዓት ተጠናኺ ክቕፅል ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብሃይማኖት ወንድይራድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment