ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ካብ ብሓሶት መንነት ዝፍለጡ ተፃወትቲ ውሽጢ ዓሊ ዲያ እቲ ሓደ እዩ።
ደገፍቲ እንግሊዛዊ ክለብ ሳውዛምፕተን “ዓሊ ዲያ ሓሳዊ” ብምባል ይፅውዕዎ።
ዓሊ ዲያ ሓሳዊ ዘበሎ ጉዳይ ኣብ 1996 ዓ.ም.ፈ ዝተፈፀመ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ካብዝዝከሩ ዘሰንብዱ ፍፃመታት እቲ ሓደ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣሰልጣኒ ዝነበሩ ግራም ሱነስ ብሓንቲ ፃውዒት ስልኪ “ኣነ ጆርጅ ዌህ እየ፡ ዓሊ ዲያ ዝበሃል ዘመድ ኣለኒ÷ንፉዕ ተፃዋታይ እዩ÷ንዕኡ እንተፍሪምክምዎ ንሳውዝሃምፕተን ካብ ምውራድ ከድሕና እዩ” ዝብል መልእኽቲ ይበፅሖም።
ብምቅፃል “ዓሊ ዲያ ኣብ ፒኤስጂ ምሳይ ዝተፃወተ እንትኾን÷ንጋንታ ሴኔጋል ሸቶታት ምምዝጋብ ዝኽኣለ ተፃዋቲ እዩ” ብምባል ናይ ምእማን ስራሕ ሰሩሑ፡፡
ኣብቲ እዋን ምትላሎም ዘይፈለጡ ኣሰልጣኒ ጆርጅ ዊያ እዩ ኢሎም ዝኣመኑዎ ሰብ ምኽሪ ተቐቢሎም ንዓሊ ዲያ ብምፍራም ናብታ ጋንታ ዝፀንበሩ እንትኾን፤ ኮይኑ ግና እንኮ ኣፍሪካዊ ተዓዋቲ ጆርጅ ዊሃ ኣይነበረን፡፡
እዚ ተፃዋታይ ኣብ ሳውዝሃምፕተን ኣብ ዝነበረ ሓፃር ፃንሒት እቲ ክለብ ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ምስ ሊድስ ዮናይትድ ኣብ ዝነበሮ ግፅም 33 ቁፅሪ ማሊያ ተኸዲኡ ምፅዋት ዝኽኣለ እንትኾን፤ ኣብቲ ፀወታ ተቀይሩ ኣትዮ ወፂኡ፡፡
ዓሊ ዲያ ድሕሪ 14 መዓልታት ካብታ ክለብ ክወፅእ ምግዳዱ ዝዝከር እንትኾን፤ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት 2000 ፓውንድ ካብታ ክለብ ክፍሊት ምቕባሉ ግራም ሱነስ ተዛሪቡ፡፡
ዓሊ ዲያ ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ እዋን ኣሰልጣኒ ዌስትሃም ዩናይትድ ዝነበሩ ሃሪ ሬድናፕ እውን ስልኪ ብምድዋል ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ዋላኳ ተካየደ ውድቂ ተገይሩሉ፡፡
ዲያ እዙይ ድሕሪ ምስርሑ “ኣነ ከም ድኹም ተፃዋቲ ተቆፂረ፤ ኮይኑ ግና ኣነ ድኹም ተፃዋቲ ኣይኮንኹን ብናይ ባዕለይ ክእለት እምነት ኣለኒ ክብል ተሰሚዑ፡፡
ኣብ ሳውዛምፕተን ፈላማይ ፀወታ ቅድሚ ምክያዱ ተፃወትቲ እታ ጋንታ ዓብዩ ተፃዋታይ ከምዝተፀንበሮም ዋላ ዃ ተሓሰቡ ግን ድማ ብተቓራኒ ነይሩ፡፡
ሳውዝሃምፕተን ካብቲ ሊግ ምውራድ ከድሕና እየ ብምባል ንኣሰልጣኒ ግራም ሱነስ ዘታለለ ዓሊ ዲያ ነታ ክለብ ካብ ምውራድ ምድሓን ኣይኮነን ብግቡእ ፀወታ ዘይኽእል ሰብ እዩ ነይሩ፡፡
ሳውዛምፕተን ንዕኡን ንስድርኡን ፈተና ኮይኑዎም ከምዝነበረ ብምሕባር፣ ሓሳዊ ከምዝኾንን ምስ ሳውዛምፕተን ንሓደ ወርሒ ከምዝተሰልጠነን ገሊፁ።
ነዚ ኣካታዒ ዝውውር በቲ ሊግ ዝገበሮ ሰኔጋላዊ ዓሊ ዲያ ኣብ 1965 ዓ.ም.ፈ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተወሊዱ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ